o
About Us
News Archives
Article Archives
Submit an Article
Talking Point
Kids Corner
Contact Us
Ministry of Information- Eritrea
People's Front for Democracy & Justice
Eritrean Canadian Association of Ontario
Eritrean Youth Association of Canada
Eritree (ecological support group)

Dimtsi is not responsible for the content of external internet sites

 

 

Farewell Dinner to Consul Ahmed Iman and Public Seminar

Photo Gallery

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕ/መ/ኣመሪካ ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን ንዝነብሩ ዜጋታትና ንህሉው ኩነታት ሃገር ዝምልከት ሰሚናር ኣካይዱ

 

ትማሊ ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2007 ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን ንዝነብሩ ኤርትራውያን ሰሚናር ተኻይዱ። ኣብ’ቲ ካብ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም ንህሉው ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ኩነታት ሃገር ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣምባሳደር ግርማይ ኣብ መግለጺኡ፡ ኤርትራ ኣብ’ቲ ምክልኻል ሃገርን ልምዓትን ዝመለለዪኡ ድርብ ዕላማ ዝሓዘ መደባት፡ ዛጊት ዓበይቲ እምነ ኩርናዕ ዓወታት ብምምዝጋብ፡ ኣብ’ቲ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ዝስረሓሉ ዘሎ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፡ ተደሊቡ ብዘሎ ተሞክሮን ናህርን፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 2-3 ዓመታት ብመግቢ ርእሳ ክትክእል ምዃና ኣበሲሩ። ኣብ ውሽጢ መደባት ልምዓት ዝኸዱ ዘለዉ ተወሰኽቲ ዓበይቲ ሃገራዊ መደባት ዝገለጸ ኣምባሳደር ግርማይ፡ ኣብ ቱሪዝም፣ ዕደና፣ ሃብቲ ዓሳን ምስናዕ ኣብ ምምስራሕ ቀረብ መግብን ክካየድ ጸኒሑ ዘሎ ጻዕርታት ኣብ ሓጺር ግዜ ንናህሪ ቁጠባዊ ምዕባለ ብዝድርኽ መገዲ ንምስጓሙ ዓበይቲ ናይ ወፍሪ መደባት ንምትግባር ምቅርራባት ተወዲኡ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ዓውዲ ምክልኻል ሃገር፡ ኤርትራ ነቲ ብኮሚሽን ዶባት ዝተወስደ ብይን ምሏ ብምሉእ ኣብ ርእሲ ምቕባላ፡ ንምትግባሩ ኩሉ ካብኣ ዝጥለብ ክትገብር ኣብ ርእሲ ምጽናሓ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኮሚሽን ዶብ ዝቐረበ ንቅሩብነት ክልቲአን ሃገራት ዝጠልብ ሕቶታት ኩሉ ብኣወንታ ብምምላስ ኩሉ ካብኣ ዝጥለብ ከምዝገበረት፡ ወያነ ግን ዘየድሊ ምስምሳት ጓል መገዲ ብምምጻእ ነቲ ምምልካት ከምዘይቅበሎ ኣነጺሩ ብምግላጽ፡ ኵናት ብምኽፋት ነቲ ኣብ ካርታ’ውን ንምትግባር ብኮምሽን ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ንምዕንቃፍ ይሸባሸብ ከምዘሎ ኣምባሳደር ግርማይ ምስ ጭብጥታቱ ብምግላጽ፡ ወያነ ክትገብር ብምሉእ ደገፍ ቡራኬን ኣመሪካ ትኸዶ ዘላ ዕንደራ ኵናት ፡ ብዘይካ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ምምካት ካልእ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝተሓድገሎም ኣማራጺ ከምዘየሎ ብምብራህ፡ ህዝቢ ነቲ ብወያነን ደገፍቶምን ዝሰላሰል ዘሎ ዳንኬራ ኵናትን ሽርሕታትን ከም ወትሩ ሓድነቱ ኣትሪሩ ብኩሉ መዳያት ክምክት ኣዘኻኺሩ።

ድሕሪ ሰሚናር ኣምባሳደር ግርማይ፡ ህዝቢ ምዕራባዊ ዞባ ሕ/መ/ኣመሪካ፡ ምስ ምዕጻው ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኦክላንድ ብምትሕሓዝ፡ ንኣባላት ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኦክላንድ ብሓፈሻ፡ ንጠቕላሊ ቆንስል ኣቶ ኣሕመድ ኢማም ከኣ ብፍላይ ድሙቕ ብጓይላን ምዝንጋዕን ዝተሰነየ ናይ መፋነዊ ግብጃ ኣካይዱ። ህዝቢ ምዕራባዊ ገማግምን ህዝባውያን ማሕበራቱን ከኣ፡ በብሸነኾም፡ በቲ ቤት ጽሕፈት ይኹን፡ ብኣቶ ኣሕመድ ንዝተዋህቦም ኣገልግሎት ኣመልኪቶም ናይ ምስጋና መደረታት ኣቅሪቦም። ብስም ህዝቢ እቲ ከባብን ማሕበራቱን ንኣቶ ኣሕመድ ኢማም ዝተቐረበ መዘከርታ ህያባት ከኣ ካብ ኢድ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም ተቐቢሉ። ኣቶ ኣሕመድ ኣብ መደምደምታ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ምዕራባዊ ገማግም ስርሑ ንኸሳልጥ ንዝገበርሉ ምትሕግጋዝ ምስጋና ብምቕራብ፡ እቲ ዝምስገን እቲ ህዝቢ’ምበር ምስጋና ንዕኡ ከምዘይግባእ ገሊጹ። ተሳተፍቲ ከኣ፡ ድሙቕ ጓያላ ብምትካ ክዘናግዑ ኣምስዮም።

 
 

 

 

About Us | News Archives | Article Archives | Submit an Article | Kids Corner | Talking Point

 Home | Contac Us |© 2005 Dimtsi Eritrea News Services, All Rights Reserved